ንወጻኢ ሃገር ዚግበር ጕዕዞን ኣብኡ ምጽናሕን
ኣብዚ፡ ነቲ ካብን ናብን ሽወደን ዚካየድ መገሻታት ዚምልከት ናይ ትካላት መንግስቲ ሓበሬታት ኣኪብናዮ ኣሎና። እዚ ገጽ'ዚ ከም ልሙድ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ይሕደስ።
Uppdaterades
ካብ ሚያዝያ 1-2022 ጀሚሩ፡ ናብ ሃገር ሽወደን ዚግበር ናይ ምእታው ጕዕዞ ዚምልከት ክልከላ ኣቋሪጹ ኢዩ። ይኹንምበር፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ክልከላታት ኪህሉ ስለ ዚኽእል፡ ኣብቲ እትገሾ ሃገር እንታይ ከም ዘድሊ ንምፍላጥ ነቲ ናይ ሽወደን ኣምባሳደር ሓበሬታ ተኸተል። ኣብዚ፡ ነቲ ካብን ናብን ሽወደን ዚካየድ መገሻታት ብዚምልከት፡ ናይተን መንግስታውያን ትካላት እኩብ ሓበሬታ ኣሎና።
F2
ናብ ወጻኢ ሃገር ምጋሽ
ኩሉ ግዜ ድሉውን እዋናዊ ሓበሬታን ዘሎካን ኩን
- ምልክታት ሕማም ምስ ዚህልወካ ኣይትግሽ።
- እዋናዊ ሓበሬታ ይሃሉኻ። ናይቲ ከባቢ ቅየዳታትን መምርሒታትን ኪመጹ ይኽእሉ ኢዮም፡ ብቕልጡፍ ኪልወጡ እውን ይኽእሉ ኢዮም።
- ናይቲ ጕዕዞኻ ሓበሬታ ንምህላው ነቲ appen UD Resklar ምልኣዮ። እቶም ኤምባሲታት ኣብ Sweden Abroad እዋናዊ ናይ መገሻ ሓበሬታ እውን ኣለዎም
ብምኽንያት እዋናዊ ኩነታት ናብ ሃገርካ ክትምለስ ዘይትኽእል ምስ እትኸውን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይ ሽወደን ወይ ናይ ወጻኢ በዓልስልጣን ንወጻኢታት ጕዕዞኻ ዘበርክቶ ነገር የሎን።
ህጹጽ ኩነታት ምስ ዘጋጥመካ ናብቲ ናይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ቆንስል በዓል ተራ ብ 08-405 50 05 ደውል።